ቲክቫህ-ኢትዮጵያ (ትግርኛ)
4.72K subscribers
2.71K photos
3 videos
2 files
8 links
Download Telegram
ምስ ምኽዳን ሒጃብ ሙስሊም ተምሃሮ ኣንስትዮ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ኣክሱም ተኣሳሲሩ ሓፈሻዊ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ትግራይ ብዕሊ ክሲ መስሪቱ።

ተኸሰስቲ ብኣካል ቀሪቦም ከረድኡ ድማ ቤት ፍርዲ ከተማ ኣክሱም ንጥሪ 16/2017 ዓ.ም ኣዚዙ  ኣሎ።
 @tikvahethiopiatigrigna
ኣብ ትግራይ ዝዕቆርን መጠን ዝወሃብ  ልቓሕን ኣመልኪቱ  ውቐሳታት ዝለዓለሉ ጉዳይ   ክእረም ፕሬዜዳንት ጊዝያዊ ምምሕዳር ጌታቸው ረዳ ሓቲቶም ።

ፕሬዜዳንት ጌታቸው ረዳ እዚ ዝበሉ ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ "መዓልቲ ደንበኛታት" ብዝብል ኣብ ዝፀወዖ መድረኽ ኣብ ዘሕለፍዎ መልእኽቲ እዩ።

ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣብ ቁጠባ ትግራይ ዝበፅሐ ዕንወት ክመሓየሽ ባንኪ ንግዲ  ኢትዮጵያ ዝገብሮ ዘሎ ፃዕሪ እውን ፕሬዜዳንት ጌታቸው ረዳ ንኢዶም ።

ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ኣብ ምንቕቓሕ ቁጠባ ፣ ኢንቨስትመንት ትግራይን ተሳትፍኡ ዝያዳ ከሐይል እቶም ፕሬዜዳንት ተላብዮም  ።


ኣብ ትግራይ ማሕበራዊ ሓላፍነት ምውፃእ ዳግመ ህንፀት ጥራሕ እንተይኮነስ በቲ ኩናት ምኽንያት ኣብ ፀበባ ዝርከብ ማሕበረሰብ ንግዲ ትግራይ እግሪ ዝተኽለሉን ናብ ንቡር ምንቅስቓስ ዝምለሰሉን ኩነታት ንምፍጣር  እቲ ባንኪ ዝጀመሮም  ነገራት ዋላ እንተሃለው ተጠናኺሩ ክቕፅል ፀዊዖም ፕሬዜዳንት ጌታቸው  ።

ዳይሬክተር ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ዲስትሪክት መቐለ ኤልያስ ልሳነወርቅ ብወገኖም ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ዓሚል ተኮር ግልጋሎት ኣወሃህባ ብምትእትታው ውፅኢት ምምፅኡ ብምግላፅ : ሕዚ እውን ኣብ ኣወሃህባ ኣገልግሎት ደንበኛታት ተኸታታሊ ምምሕያሽ ከምዘድሊ ስለዝደሊ ተዛሪቦም ።

ወርሒ ኣገልግሎት ደንበኛታት ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ  ካብ 24 ታሕሳስ ክሳብ ጥሪ 25 / 2017 ዓ/ም ጀሚሩ ን30 መዓልቲ " ብሉፅ ኣገልግሎት ነወሕጉስ ደንበኛ " ብዝብል መሪሕ ይኽበር ከምዘሎ  ድወት ፀብፂቡ። 
 @tikvahethiopiatigrigna
መርሲፉል ፓራዳይዝ ኣካዳሚ ተሸሊሙ።

ኣብ ዘበነ ትምህርቲ 2016 ዓ.ም ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ተምሃሮ 12 ክፍሊ ካብ 278 ተምሃሮ 12 ክፍሊ ሙሉእ ብሙሉእ ዘሕለፈ ኣብ ከተማ መቐለ ዝርከብ ቤት ትምህርቲ መርሲፉል ፓራዳይዝ ኣካዳሚ ተሸሊሙ።

መርሲፉል ፓራዳይዝ ኣካዳሚ ኣብ ናይ ኢትዮጵያ ብሔራዊ ናይ ተምሃሮ ዓመታዊ ሽልማት  " ብዘፈር ምሩፅ ቤት ትምህርቲ " ተዓዋቲ ኮይኑ ኣሎ። 
 @tikvahethiopiatigrigna
# Update !!
"ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ኣክሱም እግድ ቤት ፍርዲ ብምጥሓስ ሕዚ እውን ኣንስትዮ ሙስሊም ተምሃሮ ከይመሃራ ከልኪሉ "

ስድራ ተበደልቲ ተምሃሮ

" ትእዛዝ ቤት ፍርዲ ኣይጠሓስናን ሕግን ደንብን ቤት ትምህርቲ ዘኽበራ ናብ ክፍሊ ኣትየን ይመሃራ ኣለዋ : ዝተረፋ እውን ክመፃ ኣብ ዘየቋርፅ ቀፃሊ ፃዕሪ ኣለና "

ዳይሬክተር ቤት ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ኣክሱም።

ቤት ፍርዲ ከተማ ኣክሱም ጥሪ 6/2017 ዓ.ም ኣብ ዝፀሓፎ ትእዛዝ ኣንስትዮ ሙስሊም ተምሃሮ ኣክሱም ሒጃብ ለቢሰን ትምህርተን ክቕፅላ : ክልከላ ዝፈፀመ ኣካል እውን ንጥሪ 16 /2017 ዓ.ም ክቐርቡ እኳ እንተኣዘዘ ትእዛዙ ኣይተኸበረን ኢሎም ስድራ ተምሃሮ። 


ስድራ ተበደልቲ ተምሃሮ ንቲክቫህ ኢትዮጵያ ቤተሰብ መቐለን ኣብ ማሕበራዊ ሚድያን ኣብ ዝሃብዎ ርኢቶ ከምዝበልዎ :  ሓፈሻዊ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ትግራይ : ኣርባዕተ ኣብያ ትምህርትን ቤት ፅሕፈት  ትምህርቲ ከተማ ኣኽሱም ንዝሓወሰ 5 ኣካላት ክስን እግድን ዋላ እንተቕረበ ትእዛዙ ተጣሒሱ እዩ ኢሎም።


ሓፈሻዊ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ኣኽሱም ትእዛ ቤት ፍርዲ አይቅበልን ብምባል ሙስሊም ተምሃሮ ጥሪ 7 ን 8 ን /2017 ዓ.ም ናብ ክፍሊ ከይመሃራ ብምግባር ወሲኹ ዓጊቡ ኢሎም እቶም ስድራ ተበደልቲ ።


እቶም ወሃብቲ ርኢቶ ትእዛዝ ቤት ፍርድን መሰል ሃይማኖታዊ ትእዛዝን ይከበር ክብሉ ኣምሪሮም ኣለው።
ካብ ወሃብቲ ርኢቶ ዝቐረበ ሓሳብ መሰረት ገይሩ ንርእሰ መምህር  ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ኣክሱም ስዩም ካሕሳይ ጥሪ 8/2017 ዓ.ም ድሕሪ ቀትሪ ጣይቐት ዝቐረበ ቲክቫህ ኢትዮጵያ ቤተሰብ መቐለ " ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ኣክሱም እግድ ቤት ፍርዲ ብምጥሓስ ሕዚ እውን  ኣንስትዮ ሙስሊም ተምሃሮ ከይመሃራ ከልኪሉ  ዝብል ጌጋ እዩ " ኢሉ።

" እተን ተምሃሮ ደቅና ካብቶም ኣብ ቀረባን ርሑቕ ኮይኖም ንግደስ ኢና በሃልቲ ንዓና ይቐርባ " ዝበሉ መምህር ስዩም ካሕሳይ : " ሕዚ እውን እቲ ጉዳይ ልዕሊ ዝግበኦ ብምምጣጥን ብምግናንን  መጠቀሚ ፓለቲካ እዩ ዝኸውን ዘሎ " ኢሎም።


" ንሕና ትእዛዝ ኮነ እግድ ቤት ፍረርዲ ከይተፀበና እቲ ዝተፈጠረ ወጠጥ ብምርድዳእ ክፍታሕ ትኽስ ከይበልና ንሰርሕ ኣለና " ዝበሉ እቶም ርእሰ  መምህር " ትእዛዝ ቤት ፍርዲ ኣይጠሓስናን ሕግን ደንብን ቤት ትምህርቲ ዘኽበራ ናብ ክፍሊ ኣትየን ይመሃራ ኣለዋ : ዝተረፋ እውን ክመፃ ኣብ ዘየቋርፅ ቀፃሊ ፃዕሪ ኣለና : ምዝገባ ሃገራዊ ፈተና 12 ክፍሊ 2017 ዓ.ም ዘምለጠን ተምሃሮና እውን ክፍተሐን ንሰርሕ ኣለና " ክብሉ ኣብሪሆም።

ብምኽንያ ምጥቃም ሒጃብ ሃገራዊ ምዝገባ ፈተና 12 ክፍሊ 2017 ዓ.ም ዘምለጠን 159 ኣንስትዮ ሙስሊም ተምሃሮ ኣክሱም ጉዳየን ክልላዊ ሃገራውን ኮይኑ ናብ ቤት ፍርዲ ኣምሪሑ ኣሎ።

በቲ ጉዳይ ዝተኸሰሱ 5 ኣካላት ከተማ ኣክሱም ንጥሪ 16/2017 ዓ.ም ቃሎም ክህቡ ብቤት ፍርዲ ትእዛዝ ከምዝተፀሓፈሎም ምፅብፃብና ይዝከር። 
 @tikvahethiopiatigrigna
# Update !!

ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ኣክሱም ኣብ ልዕሊ ተምሃሮ ኣንስትዮ ኣክሱም ዘንበሮ ክልከላ ምኽዳን ሒጃብ ከልዕል ቢሮ ትምህርቲ  ትግራይ ንኻልኣይ ጊዜ ሓቲቱ።

እቲ ቢሮ ሎሚ ጥሪ 8 / 2017 ዓ.ም ኣብ ዝፀሓፎ ደብዳበ : ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ኣክሱም ዘንበሮ ክልከላ ከልዕል ዝተኣጓጎላ ተምሃሮ ናብ መኣዲ ትምህርተን ክምለሳ ኣተሓሳሲቡ ኣሎ። 
 @tikvahethiopiatigrigna
ኣብ ኣመራርሓን ኣባላተይን ጭውያን መውቃዕትን ቀፂሉ ክብል ወድብ ናፅነት ትግራይ ከሲሱ።

እቲ ውድብ በቲ ጭውያን መጥቃዕትን ንአመራርሓን አባላትን ህወሓት ተሓተትቲ ጌሩ።


ላዕለዋይ ኣመራርሓ ውድብ ናፅነት ትግራይ (ውናት) ንቲክቫህ ኢትዮጵያ ቤተሰብ መቐለ ጥሪ 8/2017 ዓ.ም ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ : ኣብ ዞባታት ምብራቕ : ማእኸል :  ሰሜናዊ ምዕራብን  ወረዳን ከተማን ሓውዜን : ቀይሕ ተኽልን እንዳስላሰ-ሽረን ኣብ ልዕሊ ዝርከቡ ኣመራርሓን ኣባላትን እቲ ውድብ ዓፈናን መጥቃዕቲ ኣካልን በፂሑ እዩ።

 
ቅድሚ መዓልታት ጥሪ 6/2017 ዓ.ም ኣብ ልዕሊ ኣቦ-መንበር ውናት ጨንፈር ከተማ ሓውዜን  ካሕሳይ ተ/ሃማኖት ናብ ፈተና ቅትለት ዝተፀገዐ ኣካላዊ ጥቕዓት ተፈፂሙ ዝበለ ውናት : እዚ ተግባራት ብኣመራርሓ ህወሓት እቲ ከባቢ ዝተዋደደ እዩ ክብል ከሲሱ።


ቲክቫህ ኢትዮጵያ ቤተሰብ መቐለ ናብ ፈተነ ቅትለት  ዝፅጋዕ ጥቕዓት በፂሑዎ ናብ ዝተብሃለ  ኣቦ-መንበር ውናት ጨንፈር ከተማ ሓውዜን  ካሕሳይ ተ/ሃማኖት ሰልኪ ደዊሉ ብዝረኸቦ ሓበሬታ : እቲ ኣቦ-መንበር ጨንፈር " መሬት ጊዜ እናሃለወ እወ ተጠቒዐ ፈተነ ቅትለት ተጌሩለይ " ክብል ኣረጋጊፁ።
ሰሉስ ጥሪ 6/2017 ዓ.ም ኣብ ከተማ ሓውዜን ኣብ ጥቓ መንበሪኡ ኣብ ዝርከብ መዘናግዒ ከባቢ ሰዓት 1:30 ኣጋምሸት ብሰለስተ መናእሰይ  ኣብ ርእሱን ካልኦት ክፍሊ ኣካላት ብሓያል ምውቅዑ ዝገለፀ ኣይተ ካሕሳይ : ካብ ወቓዕቱ ክልተ ኣምሊጦም ሓደ ተታሒዙ : ፓሊስ ኣርኪቡ እንተዘየድሕኖ እቲ መጥቃዕቲ ናብ ሞት የብፅሕ ምንባሩ ተዛሪቡ።

" ኣብ ከተማ ሓውዜን ዝርከቡ ኣመራርሓ ህወሓት ኣመራርሓን ኣባልነት ውድብ ናፅነት ክገድፍ ደጋጊሞም ተዛሪቦሙኒ ነይሮም : ድሕሪ መዓልታት ድማ ተጠቒዐ : ስለዚ ልኣቶም  ንሳቶም እዮም " ክብል ንቲክቫህ ገሊፁ ኣሎ ካሕሳይ።


ፓሊስ ከተማ ሓውዜን ንዝገበረሉ ሓለዋን ክንክንን ዘመስገነ ካሕሳይ ተ/ሃይማኖት : ኣማራፂ ሓሳብ ኣለና ኢሎም ዝቃለሱ ኣመራርሓን ኣባላትን ተነሓናሕቲ ውድባት ግቡእ ምምሕዳራዊ ሓለዋ ክግበረሎም ይግባእ ክብል ኣገንዚቡ።


ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ 2017 ዓ.ም ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ዝነብሩ ትሽዓተ ኣባላት ውድብ ናፅነት ትግራይ ዓፈናን መጥቃዕትን ምፍፃሙ ምፅብፃብና ይዝከር ክብል ቲክቫህ ኢትዮጵያ ቤተሰብ መቐለ ፀብፂቡ።
 @tikvahethiopiatigrigna
መንግስቲ ኣፈላላያት ኣብ ዙሪያ ጠረጴዛ ምጥባብን ዕርቂ ምዕሳልን ቁልፊ ኣማራፂ ሰላም ብምግባር ይሰርሕ ምህላው  ሚኒስትር ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ለገሰ ቱሉ (ዶ/ር) ገሊፆም፡፡

እቶም ሚኒስትር ጥሪ 9 / 2017 ዓ.ም ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ፤ መንግስቲ ሰላም ንምርግጋፅ ብዙሓት ስራሕቲ እናሰርሐ ፀኒሑ ኢዩ ብፍላይ ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ዕጥቂ ዘልዐሉ ብሰላማዊን ሕጋዊን መገዲ ንኸቕርቡ ኩሎም በሪታት ሰላም ንኹሎም ሓይሊታት ማዕረ ከምዝኸፈተ ኣብሪሆም፡፡

በዚ ድማ ክልላት ጋምቤላን ቤንሻንጉል ጉሙዝን እናተንቀሳቐሱ ምስ ዝነበሩ ዕጡቓት ስምምዕነት ሰላም ብምፍፃም ናብ ሰላማዊ ህይወቶም ክምለሱ ከምዝተገበረ ገሊፆም፡፡

ኣብ ቀረባ እዋን ብዝተገበረ መማልኢ መረፃ ኣብ ክልል ቤንሻንጉልል ጉሙዝ እናተንቀሳቐሱ ዝነበሩ ዝተወሰኑ ሓይሊታት ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ወንበር ክረኅቡ ከምዝኸኣሉ ኣዘኻኺሮም።

“ምስ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ዝነበረ ጎንፂ ብስምምዕነት ፕሪቶሪያ ብምዝዛም እቲ ስምምዕነት ብዝተማለአ መገዲ ንምትግባር መንግስቲ ዘይተሓለለ ፃዕሪ ይገብር ኣሎ፤ ኣጠናኺሩ እውን ክቕፅል ኢዩ” ክብሉ ኣረጋጊፆም፡፡

መንግስቲ ዝተፈላለዩ ድሌታትን ፖለቲካዊ ሓሳብን ምስ ዘለዎም ኣካላት ሃናፂ ዘተ ብምግባር ኣብ ምርድዳእ ዝበፅሐሎም ጉዳያት ንምድናፋዕ ከምዝስራሕ እውን ገሊፆም ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፓሬት ፀብፂቡ። 
 @tikvahethiopiatigrigna
መንግስቲ ኢትዮጵያ ስምምዕነት ፕሪቶሪያ ብቕኑዕ ልቦና ከፍፅምን ካብ ዘይግባእ ኢድ እእታውነት ተቖጢቡ ዘላቒ ሰላም ንምርግጋፅ ክሰርሕ ህወሓት ፃውዒት ኣቕሪቡ።

በኣቦ-መንበር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል (ዶ/ር) ዝምራሕ ማእኸላዊ ኮሚቴ ህወሓት ካብ 5-7 ጥሪ / 2017 ዓ.ም ድሕሪ ዘካየዶ ኣኼባ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ : ቦርድ መረፃ ዘውፅኦ መኸተን መስዋእትን ህዝቢ ትግራይ ዘራኽስ ናይ ተናፀል ውሳነ ኣይቅበልን ኢሉ።  

" ይኣክል ! ናብ መረበትና መልሱና !" ብዝብል መሪሕ ቃል ዝተኻየደ ሰላማዊ ሰልፊ ተቓውሞ ከምዝድግፍ ዝገለፀ እቲ መግለፂ : ጊዚያዊ ምምሕዳር ንምጥንኻርን ንምቁፅፃርን ተባሂሉ ከጣይሽ ኣብ ዝሕሰብ ዘሎ ካውንስል ኣካል ኣይከውንን ክብል ኣፍሊጡ።

በኣቦ-መንበር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል (ዶ/ር) ዝምራሕ ማእኸላዊ ኮሚቴ ህወሓት ጥሪ 8/2017 ዓ.ም ዘውፅኦ መግለፂ ዝስዕብ እዩ።  
 @tikvahethiopiatigrigna
ኣብ ዕደና  ዝርአ ዘሎ  ዘይሕጋውን ሓደገኛን ኣካይዳ ከምኡ እውን ምስ ምጥቃም ኬሚካላት ተኣሳሲሩ ዝበፅሕ ዘሎ ከቢድ ጉድኣት መልክዕ ንምትሓዝ ልዑል ትኹረት ሂብካ ምስራሕ የድሊ ።

እዚ ዝተገለፀ ምድረ ገነት ሲቪል ማሕበረሰብ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ መስራታይ ጉባኤኡ ሎሚ ኣብ ከተማ ሽረ እንዳስላሰ እንተሳልጥ እዩ ።

እቲ ሲቪል ማሕበረሰብ ካብ ዝኾነ ይኹን ፖለቲካዊ ውግንና ናፃ ኮይኑ ኹለ መዳያዊ ረብሓታት ህዝቢ ንምርግጋፅን ኣብ ከይዲ ዝርኣዩ ፀገማት ሰናይ ምምሕዳር ንምእላይን ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ግዲኡ ንምብርካት ብዕቱብ ከምዝሰርሕ ተሓቢሩ 'ሎ።

ብፍላይ ኣብ ዕደና ማኣድን ዝርአ ዘይሕጋውን ሓደገኛን ኣካይዳ ከምኡ 'ውን ምስ ምጥቃም ኬሚካላት ተኣሳሲሩ ዝበፅሕ ዘሎ ከቢድ ጉድኣት መልክዕ ንምትሓዝ ልዑል ትኹረት ሂብካ ምስራሕ ከምዘድሊ ተሰሚሩሉ እዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር ሕጋዊ ኣፍልጦ ዝረኸበ ምድረ ገነት ሲቪል ማሕበረሰብ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ሎሚ ዕለት 9 ጥሪ 2017 ዓ/ም ኣብ ዘሳለጦ መስራታይ ጉባኤኡ ዕድመ ዝተገበረሎም ነበርቲ፣ካብ ውሽጢ ዓድን ወፃእን ዝመፁ ተወለድቲ እቲ ዞባን ኣካላት ኣመራርሓ ወረዳታትን ተረኺቦም እዮም ክብል ድወት ፀብፂቡ። 
 @tikvahethiopiatigrigna