ቲክቫህ-ኢትዮጵያ (ትግርኛ)
4.72K subscribers
2.88K photos
3 videos
2 files
8 links
Download Telegram
ማሕበር መምህራን ኢትዮጵያ ንማሕበር መምህራን ትግራይ ሓንቲ መኪና ብሓገዝ ኣበርኪቱ። 
 @tikvahethiopiatigrigna
ምስ ምኽዳን ሒጃብ ተኣሳሲሩ ኣብ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ኣክሱም ዝተፈጠረ ምስሕሓብ እወንታዊ መልሲ ከምዘይረኸበ ተረጋጊፁ ።

- ኣብ'ታ ቤት ትምህርቲ ካብ'ቲ ዝተለመደ ኣከዳድና ወፃኢ ተኸደና  ዝበለን የለን :
- እተን ተምሃሮ ክሳብ እዛ ዕለት ብኣካል መፅየን ምስ ቤት ትምህረርተን ንክንረዳደአን ምልክታ ብምልጣፍን ስልኪ ብምድዋልን ደጋጊምና ፈቲንና  ክመፃ ፍቓደኛታት ኣይኮናን :
- ንኣመራርሓ ቤት ምኽሪ እስልምና ከተማ ኣክሱም ካብ ኣመራርሓ ክልል ከንቲባ ከተማናን ዓበይቲ ዓድን እቲ ፀገም ብሰላማዊ  መንገዲ ብምርድዳእ ክፈትሑዎ ተለሚኖም ፍቓደኛታት ኣይኮኑን:   
- ብሓፈሻ እቲ ናይ ዘይምፍታን ድሌት ናይተን ተምሃሮና  ዘይኮነስ ደጋዊ ድፍኢትን ፅልዋን ዘለዎ እዩ :
- ደቅና ክፍታሕ ብዝኽእል ጉዳይ መፈተኒ ቅጥዒ ከይመልኣ ምትራፈን ከም ሓደ መምህር እሓዝን እጉሂ  : 
ኢሎም ርእሰ መምህር ካልኣይ ብርኒ  ቤት ት/ቲ ኣክሱም ስዩም ካሕሳይ ንቲክቫህ ኢ/ያ ቤተሰብ መቐለ ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ። 

መምልኢ ቅጥዒ ተፈተንቲ ተምሃሮ ብሄራዊ ፈተና 12 ክፍሊ 2017 ዓ.ም ሎሚ ጥሪ 6/2017 ዓ.ም ልክዕ ሰዓት 11:00 ኣብቂዑ ኣሎ።

ቢሮ ትምህርቲ ትግራይን ሓፈሻዊ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ትግራይ ሙስሊም ተምሃሮ ሒጃበን ተኸዲነን ናብ ቤት ትምህርቲ ከኣትዋ ናብ ዝፀሓፉዎ ድብዳበን መጠንቀቕታን ዘረዳድእ መልሲ ኣይረኸበን ።
ታሕሳስ 22/2017 ዓ.ም ኣብ ውሽጢ 3 መዓልቲ እተን ተምሃሮ ሒጃብ ተኸዲነን ናብ መኣዲ ምሁሮ ክኣትዋን ቅጥዒ መፈተኒ 12 ክፍሊ ክመልኣን ዘጠንቀቐ ሓፈሻዊ ቤት ምኽሪ እስልምና ትግራይ መጠንቀቕትኡ እወንታዊ ምላሽ ብዘይምርካቡ ነቲ ጥሕሰት መሰል ዝበሎ ተሕሳስ 30 / 2017 ዓ.ም ብሕጊ ክዳነ ክሲ መስሪቱ ኣሎ።

ንኽልተ ኣዋርሕ ቀልቢ ሚድያታት ውሽጢ ዓድን ወፃእን ዝሰሓበ ርእሰ ጉዳይ ምኽልካል ሒጃብ ተምሃሮ ኣንስትዮ ኣክሱም ብሓፈሻዊ ቤት ምኽሪ አስልምና ጉዳያት ኢትዮጵያን ክልላትን ተወጊዙ እዩ።

እቲ ዘሰሓሓበ ፀገም ብዘይምርድዳእ ኣብቂዑ 159 ተምሃሮ ሙስሊም ኣንስትዮ ኣክሱም ካብ ፈተና 12 ክፍሊ 2017 ዓ.ም ተኣጓጊለን ኣለዋ።

ርእሰ መምህር ካልኣይ ብርኒ  ቤት ት/ቲ ኣክሱም  ስዩም ካሕሳይ ንቲክቫህ ኢ/ያ ቤተሰብ መቐለ ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ " እዚ ጉዳይ ኣጀንዳ ካልኦት ደጋዊ ሓይልታት እምበር : ድሌት ሙስሊም ተምሃሮ ደቂ ኣንስትዮ ቤት ትምህርትና ኣይኮነን : በቲ ዝተፈጠረ ፀገም ከም መጠን ወላድን መምህርን ጓህን ሓዘን ይስመዐኒ " ኢሎም ።

ቲክቫህ ኢትዮጵያ ቤተሰብ መቐለ ኣብ'ዚ ጉዳይ ዘለው ምዕባለታት እናተኸታተለ ከቕርብ እዩ። 
 @tikvahethiopiatigrigna
ንሰለስተ ተኸታተልቲ መዓልታት ኣብ ኣደባባይ ሮማናት መቐለ ዝተኻየደ ሰልፊ " ይኣክል ናብ መረበትና ምለሱና " በዓል 7 ቅዋም መግለፂ ቅዋም ኣውፂኡ።

እቲ ብኣሰናዳእቲ እቲ ሰልፊ ናብ ኢድ ፕሬዜዳንት ጊዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጌታቸው ረዳ ዝበፅሐ መግለፂ ቅዋም : ንጊዚያዊ ምምሕዳርን ንላዕለዎት ኣመራርሓ ጉጅለታት ህወሓትን ብትሪ ነቒፉን ኮኒኑን : ንፌደራል መንግስቲ ኣብ ፕሪቶሪያ ዝኣተዎ ውዕሊ በተኣማንነት ክፍፅም ፀዊዑ ኣሎ።


" ፍርቂ ትግራይ ብወረርቲ ተታሒዙ ኣይደቅስን " ዝበለ እቲ መግለፂ : ሕቶ ተመዛበልቲ መሊኡ ክሳብ ዝምለስ እቲ ተቓውሞ ብዝተፈላለዩ  መንገድታት ክቕፅል እዩ ኢሉ።

እቲ ኣደባባይ ሮማናት መቐለ ካብ ተሽከርከርቲ ናፃ ብምግባር ዝተኻየደ ሰልፊ ጭዋን ሰላማውን ምንባሩ ቲክቫህ ኢትዮጵያ ቤተሰብ መቐለ ፀብፂቡ።
 @tikvahethiopiatigrigna
ምስ ምኽዳን ሒጃብ ሙስሊም ተምሃሮ ኣንስትዮ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ኣክሱም ተኣሳሲሩ ሓፈሻዊ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ትግራይ ብዕሊ ክሲ መስሪቱ።

ተኸሰስቲ ብኣካል ቀሪቦም ከረድኡ ድማ ቤት ፍርዲ ከተማ ኣክሱም ንጥሪ 16/2017 ዓ.ም ኣዚዙ  ኣሎ።
 @tikvahethiopiatigrigna
ኣብ ትግራይ ዝዕቆርን መጠን ዝወሃብ  ልቓሕን ኣመልኪቱ  ውቐሳታት ዝለዓለሉ ጉዳይ   ክእረም ፕሬዜዳንት ጊዝያዊ ምምሕዳር ጌታቸው ረዳ ሓቲቶም ።

ፕሬዜዳንት ጌታቸው ረዳ እዚ ዝበሉ ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ "መዓልቲ ደንበኛታት" ብዝብል ኣብ ዝፀወዖ መድረኽ ኣብ ዘሕለፍዎ መልእኽቲ እዩ።

ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣብ ቁጠባ ትግራይ ዝበፅሐ ዕንወት ክመሓየሽ ባንኪ ንግዲ  ኢትዮጵያ ዝገብሮ ዘሎ ፃዕሪ እውን ፕሬዜዳንት ጌታቸው ረዳ ንኢዶም ።

ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ኣብ ምንቕቓሕ ቁጠባ ፣ ኢንቨስትመንት ትግራይን ተሳትፍኡ ዝያዳ ከሐይል እቶም ፕሬዜዳንት ተላብዮም  ።


ኣብ ትግራይ ማሕበራዊ ሓላፍነት ምውፃእ ዳግመ ህንፀት ጥራሕ እንተይኮነስ በቲ ኩናት ምኽንያት ኣብ ፀበባ ዝርከብ ማሕበረሰብ ንግዲ ትግራይ እግሪ ዝተኽለሉን ናብ ንቡር ምንቅስቓስ ዝምለሰሉን ኩነታት ንምፍጣር  እቲ ባንኪ ዝጀመሮም  ነገራት ዋላ እንተሃለው ተጠናኺሩ ክቕፅል ፀዊዖም ፕሬዜዳንት ጌታቸው  ።

ዳይሬክተር ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ዲስትሪክት መቐለ ኤልያስ ልሳነወርቅ ብወገኖም ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ዓሚል ተኮር ግልጋሎት ኣወሃህባ ብምትእትታው ውፅኢት ምምፅኡ ብምግላፅ : ሕዚ እውን ኣብ ኣወሃህባ ኣገልግሎት ደንበኛታት ተኸታታሊ ምምሕያሽ ከምዘድሊ ስለዝደሊ ተዛሪቦም ።

ወርሒ ኣገልግሎት ደንበኛታት ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ  ካብ 24 ታሕሳስ ክሳብ ጥሪ 25 / 2017 ዓ/ም ጀሚሩ ን30 መዓልቲ " ብሉፅ ኣገልግሎት ነወሕጉስ ደንበኛ " ብዝብል መሪሕ ይኽበር ከምዘሎ  ድወት ፀብፂቡ። 
 @tikvahethiopiatigrigna
መርሲፉል ፓራዳይዝ ኣካዳሚ ተሸሊሙ።

ኣብ ዘበነ ትምህርቲ 2016 ዓ.ም ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ተምሃሮ 12 ክፍሊ ካብ 278 ተምሃሮ 12 ክፍሊ ሙሉእ ብሙሉእ ዘሕለፈ ኣብ ከተማ መቐለ ዝርከብ ቤት ትምህርቲ መርሲፉል ፓራዳይዝ ኣካዳሚ ተሸሊሙ።

መርሲፉል ፓራዳይዝ ኣካዳሚ ኣብ ናይ ኢትዮጵያ ብሔራዊ ናይ ተምሃሮ ዓመታዊ ሽልማት  " ብዘፈር ምሩፅ ቤት ትምህርቲ " ተዓዋቲ ኮይኑ ኣሎ። 
 @tikvahethiopiatigrigna
# Update !!
"ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ኣክሱም እግድ ቤት ፍርዲ ብምጥሓስ ሕዚ እውን ኣንስትዮ ሙስሊም ተምሃሮ ከይመሃራ ከልኪሉ "

ስድራ ተበደልቲ ተምሃሮ

" ትእዛዝ ቤት ፍርዲ ኣይጠሓስናን ሕግን ደንብን ቤት ትምህርቲ ዘኽበራ ናብ ክፍሊ ኣትየን ይመሃራ ኣለዋ : ዝተረፋ እውን ክመፃ ኣብ ዘየቋርፅ ቀፃሊ ፃዕሪ ኣለና "

ዳይሬክተር ቤት ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ኣክሱም።

ቤት ፍርዲ ከተማ ኣክሱም ጥሪ 6/2017 ዓ.ም ኣብ ዝፀሓፎ ትእዛዝ ኣንስትዮ ሙስሊም ተምሃሮ ኣክሱም ሒጃብ ለቢሰን ትምህርተን ክቕፅላ : ክልከላ ዝፈፀመ ኣካል እውን ንጥሪ 16 /2017 ዓ.ም ክቐርቡ እኳ እንተኣዘዘ ትእዛዙ ኣይተኸበረን ኢሎም ስድራ ተምሃሮ። 


ስድራ ተበደልቲ ተምሃሮ ንቲክቫህ ኢትዮጵያ ቤተሰብ መቐለን ኣብ ማሕበራዊ ሚድያን ኣብ ዝሃብዎ ርኢቶ ከምዝበልዎ :  ሓፈሻዊ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ትግራይ : ኣርባዕተ ኣብያ ትምህርትን ቤት ፅሕፈት  ትምህርቲ ከተማ ኣኽሱም ንዝሓወሰ 5 ኣካላት ክስን እግድን ዋላ እንተቕረበ ትእዛዙ ተጣሒሱ እዩ ኢሎም።


ሓፈሻዊ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ኣኽሱም ትእዛ ቤት ፍርዲ አይቅበልን ብምባል ሙስሊም ተምሃሮ ጥሪ 7 ን 8 ን /2017 ዓ.ም ናብ ክፍሊ ከይመሃራ ብምግባር ወሲኹ ዓጊቡ ኢሎም እቶም ስድራ ተበደልቲ ።


እቶም ወሃብቲ ርኢቶ ትእዛዝ ቤት ፍርድን መሰል ሃይማኖታዊ ትእዛዝን ይከበር ክብሉ ኣምሪሮም ኣለው።
ካብ ወሃብቲ ርኢቶ ዝቐረበ ሓሳብ መሰረት ገይሩ ንርእሰ መምህር  ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ኣክሱም ስዩም ካሕሳይ ጥሪ 8/2017 ዓ.ም ድሕሪ ቀትሪ ጣይቐት ዝቐረበ ቲክቫህ ኢትዮጵያ ቤተሰብ መቐለ " ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ኣክሱም እግድ ቤት ፍርዲ ብምጥሓስ ሕዚ እውን  ኣንስትዮ ሙስሊም ተምሃሮ ከይመሃራ ከልኪሉ  ዝብል ጌጋ እዩ " ኢሉ።

" እተን ተምሃሮ ደቅና ካብቶም ኣብ ቀረባን ርሑቕ ኮይኖም ንግደስ ኢና በሃልቲ ንዓና ይቐርባ " ዝበሉ መምህር ስዩም ካሕሳይ : " ሕዚ እውን እቲ ጉዳይ ልዕሊ ዝግበኦ ብምምጣጥን ብምግናንን  መጠቀሚ ፓለቲካ እዩ ዝኸውን ዘሎ " ኢሎም።


" ንሕና ትእዛዝ ኮነ እግድ ቤት ፍረርዲ ከይተፀበና እቲ ዝተፈጠረ ወጠጥ ብምርድዳእ ክፍታሕ ትኽስ ከይበልና ንሰርሕ ኣለና " ዝበሉ እቶም ርእሰ  መምህር " ትእዛዝ ቤት ፍርዲ ኣይጠሓስናን ሕግን ደንብን ቤት ትምህርቲ ዘኽበራ ናብ ክፍሊ ኣትየን ይመሃራ ኣለዋ : ዝተረፋ እውን ክመፃ ኣብ ዘየቋርፅ ቀፃሊ ፃዕሪ ኣለና : ምዝገባ ሃገራዊ ፈተና 12 ክፍሊ 2017 ዓ.ም ዘምለጠን ተምሃሮና እውን ክፍተሐን ንሰርሕ ኣለና " ክብሉ ኣብሪሆም።

ብምኽንያ ምጥቃም ሒጃብ ሃገራዊ ምዝገባ ፈተና 12 ክፍሊ 2017 ዓ.ም ዘምለጠን 159 ኣንስትዮ ሙስሊም ተምሃሮ ኣክሱም ጉዳየን ክልላዊ ሃገራውን ኮይኑ ናብ ቤት ፍርዲ ኣምሪሑ ኣሎ።

በቲ ጉዳይ ዝተኸሰሱ 5 ኣካላት ከተማ ኣክሱም ንጥሪ 16/2017 ዓ.ም ቃሎም ክህቡ ብቤት ፍርዲ ትእዛዝ ከምዝተፀሓፈሎም ምፅብፃብና ይዝከር። 
 @tikvahethiopiatigrigna
# Update !!

ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ኣክሱም ኣብ ልዕሊ ተምሃሮ ኣንስትዮ ኣክሱም ዘንበሮ ክልከላ ምኽዳን ሒጃብ ከልዕል ቢሮ ትምህርቲ  ትግራይ ንኻልኣይ ጊዜ ሓቲቱ።

እቲ ቢሮ ሎሚ ጥሪ 8 / 2017 ዓ.ም ኣብ ዝፀሓፎ ደብዳበ : ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ኣክሱም ዘንበሮ ክልከላ ከልዕል ዝተኣጓጎላ ተምሃሮ ናብ መኣዲ ትምህርተን ክምለሳ ኣተሓሳሲቡ ኣሎ። 
 @tikvahethiopiatigrigna
ኣብ ኣመራርሓን ኣባላተይን ጭውያን መውቃዕትን ቀፂሉ ክብል ወድብ ናፅነት ትግራይ ከሲሱ።

እቲ ውድብ በቲ ጭውያን መጥቃዕትን ንአመራርሓን አባላትን ህወሓት ተሓተትቲ ጌሩ።


ላዕለዋይ ኣመራርሓ ውድብ ናፅነት ትግራይ (ውናት) ንቲክቫህ ኢትዮጵያ ቤተሰብ መቐለ ጥሪ 8/2017 ዓ.ም ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ : ኣብ ዞባታት ምብራቕ : ማእኸል :  ሰሜናዊ ምዕራብን  ወረዳን ከተማን ሓውዜን : ቀይሕ ተኽልን እንዳስላሰ-ሽረን ኣብ ልዕሊ ዝርከቡ ኣመራርሓን ኣባላትን እቲ ውድብ ዓፈናን መጥቃዕቲ ኣካልን በፂሑ እዩ።

 
ቅድሚ መዓልታት ጥሪ 6/2017 ዓ.ም ኣብ ልዕሊ ኣቦ-መንበር ውናት ጨንፈር ከተማ ሓውዜን  ካሕሳይ ተ/ሃማኖት ናብ ፈተና ቅትለት ዝተፀገዐ ኣካላዊ ጥቕዓት ተፈፂሙ ዝበለ ውናት : እዚ ተግባራት ብኣመራርሓ ህወሓት እቲ ከባቢ ዝተዋደደ እዩ ክብል ከሲሱ።


ቲክቫህ ኢትዮጵያ ቤተሰብ መቐለ ናብ ፈተነ ቅትለት  ዝፅጋዕ ጥቕዓት በፂሑዎ ናብ ዝተብሃለ  ኣቦ-መንበር ውናት ጨንፈር ከተማ ሓውዜን  ካሕሳይ ተ/ሃማኖት ሰልኪ ደዊሉ ብዝረኸቦ ሓበሬታ : እቲ ኣቦ-መንበር ጨንፈር " መሬት ጊዜ እናሃለወ እወ ተጠቒዐ ፈተነ ቅትለት ተጌሩለይ " ክብል ኣረጋጊፁ።